Eritrean News (Tigrinya): ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ – 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ- ክርስትያን ኤርትራ፡ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ ሰኑይ 21 ታሕሳስ ከምዝዓረፉ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ- ክርስትያን ኤርትራ ብዓሚቚ ሓዘን ይገልጽ። ዕለተ ቀብሪ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡
ቀዳም ዕለት 26 ታሕሳስ ንግሆ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ- ጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ጸሎተ-ፍትሓት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣብ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ደብረ ጥሉል – ንኡስ ዞባ መንደፈራ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ክፍጸም’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ ክታሞም ንዘንብሩ ሚኒስተራትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡
ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ኣብ ቀጽሪ መንበረ ፓትርያሪክ መዝገብ መግለጺ ሓዘን ተቐሪቡ ስለዘሎ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ 22 ክሳብ ዓርቢ 25 ታሕሳስ ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 12፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ሓዘኖም ክገልጹ ከምዝኽእሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ይሕብር።