በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ጥምቀት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሎሚ ዓመት 7 ጥሪ 2008 ዓ/ም/ግእዝ 16 ጥሪ 2016 ዓ/ም/ፈረንጂ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ቤት ትምህርቲ ሰንበታትን ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ።
መደብ ሰዓት 9፡30 ንግሆ ብጸሎት ኪዳን ብኣቦታት ካህናት ጀሚሩ፡ ድሕሪ ጸሎት ድማ ኩሉ ህዝቢ መጠመቒ ልብሲ ብምልባስ ኣብቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐሉ ማይ ዮርዳኖስ ብምእታው ተሓጺቡ ቀጺሉ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ወረብ ቀሪቡ፡ ስዒቡ ድማ ናይ ዕለቱ ስብከተወንጌል ተዋሂቡ፡
ድሕሪ ስብከትውን ኩሉ ህዝቢ ብሓጎስን ብደስታን ብሕብረት ብመዝሙር ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኑ። ስዒቡ ድማ ብመዘምራን ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕግን ስርዓትን ተኸቲለንን ተማሕዲረንን ዝኸዳ ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ናይ ሕብረት መዝሙር ቀሪቡ። ቀጺሉ ድማ መዘምራንን ቤተክህነትን ምእመናንን ብሕብረት ድሕሪ ምዝማር፡ መደብ ብኣቦታት ካህናት ተመሪሑ ብጸሎትን ምህለላን ተዛዚሙ።
ነዚ ዝገበረልና ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅድስት ቤተክርስቲያናን ህዝብናን ይባርኸልናን ይሓልወልናን ኣሜን!!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
Source: Mahbere Mariam Israel