Quantcast
Channel: Christian – eritrea-chat.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

ዓመታዊ ክብረ በዓል ጥምቀት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡

$
0
0

12485930_955257011176004_1059561225634293745_o

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ጥምቀት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሎሚ ዓመት 7 ጥሪ 2008 ዓ/ም/ግእዝ 16 ጥሪ 2016 ዓ/ም/ፈረንጂ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ቤት ትምህርቲ ሰንበታትን ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ።

12485930_955257484509290_5142312107784585335_o
መደብ ሰዓት 9፡30 ንግሆ ብጸሎት ኪዳን ብኣቦታት ካህናት ጀሚሩ፡ ድሕሪ ጸሎት ድማ ኩሉ ህዝቢ መጠመቒ ልብሲ ብምልባስ ኣብቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐሉ ማይ ዮርዳኖስ ብምእታው ተሓጺቡ ቀጺሉ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ወረብ ቀሪቡ፡ ስዒቡ ድማ ናይ ዕለቱ ስብከተወንጌል ተዋሂቡ፡

12485966_955257247842647_2090733969726643855_o

ድሕሪ ስብከትውን ኩሉ ህዝቢ ብሓጎስን ብደስታን ብሕብረት ብመዝሙር ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኑ። ስዒቡ ድማ ብመዘምራን ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕግን ስርዓትን ተኸቲለንን ተማሕዲረንን ዝኸዳ ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ናይ ሕብረት መዝሙር ቀሪቡ። ቀጺሉ ድማ መዘምራንን ቤተክህነትን ምእመናንን ብሕብረት ድሕሪ ምዝማር፡ መደብ ብኣቦታት ካህናት ተመሪሑ ብጸሎትን ምህለላን ተዛዚሙ።

12493939_955256897842682_8541429402116529740_o

ነዚ ዝገበረልና ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅድስት ቤተክርስቲያናን ህዝብናን ይባርኸልናን ይሓልወልናን ኣሜን!!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር

Source: Mahbere Mariam Israel

12466123_955258377842534_6407533088852244538_o12466335_955257391175966_2374613126790129325_o12471377_955257041176001_7836282059284055844_o12471525_955258764509162_424880214326154835_o12471579_955259437842428_7971670074139573601_o12471639_955258997842472_1409189873892760190_o12471861_955257157842656_127046298296961691_o12473822_955257501175955_4306481953631733906_o12485854_955258497842522_6974441047952820361_o


Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

Trending Articles