Quantcast
Channel: Christian – eritrea-chat.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

ብሂላትን ወግዕታትን ሃንሰ-መስቀለ – Beautiful Eritrean Culture

$
0
0

(Beautiful Eritrean Culture – Celebration of Christian Orthodox Kidus Yohanes and Mesqel) ሓምዂሽቲ ደምበ ሕብረተሰብ ትግርኛ ሓድሕድ ንዝተቐያየሙ እናኣተዓረቐ ምንባር ባህሉ እዩ። እዋን ሃንሰ-መስቀለ ከኣ ዝያዳ ካልእ ግዜ ይቕረ ንምብህሃል ይመርጾ። ነዚ ምኽንያት ብዙሕ ክበሃለሉ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ብዓቢኡ ምስ ሓድሽ ዓመት ግእዛዊ ኣቈጻጽራ ይተሓሓዝ። እዚ ይቕረ ናይ ምብህሃል እዋን፡ ምስቲ ‘ሕሙም ልቢ ነየጥዒ’ ዝብል ምስላ ዝመላላእ ይመስል። ንወዮም ቅልል ዝበሉን ግዜ ዘይምረጾምን ነገራት ቅርሕንቲ፣ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ አእዋኖም እናዳቐሶም ይኸይድ።

%e1%89%a5%e1%88%82%e1%88%8b%e1%89%b5%e1%8a%95-%e1%8b%88%e1%8c%8d%e1%8b%95%e1%89%b3%e1%89%b5%e1%8a%95-%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b0-%e1%88%98%e1%88%b5%e1%89%80%e1%88%88-beautiful-eritrean-culture

ነቶም ብኹሉ መለክዒታቶም ክብድ ዝብልዎ ጉዳያት ግና ንኸም ብዓል ትንሳአን ቅዱስ ዮሃንስን የጽንሖም። እቶም ጉዳያት ብብዙሕ ነገራት ክኸብዱ ይኽእሉ። ንኣብነት ሹመኛታት፡ ሰብ ጸጋ፡ ሰብ ዝና (ስም)፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ክኢላታት ያታን ካልእ ምስ እምነት ዝተሓሓዙ ኣፋውስ ዝፈልጡን ዘፍርዩን ሰባት… ብዝተፈላለየ ጉዳይ ተቐራሒኖም ይጸንሑ። ካብዚ ሓሊፎም ኣሕዋትን ቀረባ ቤተ-ሰብን ጭራሽ ሓው ይገብሮም’ዩ ኢልካ ብዘይሕሰቡ ጉዳያት ተፈናቲቶም ይጸንሑ።

ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓው ብህይወት እንከሎ ንሰይቲ ሓዉ ይወልደላ፣ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ዓርኪ ርእሳ ወይ ካልእ ዓርኪ ሰብኣያ ትወልድ፣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ክልተ ኣሕዋት ይወልድ….. ዝኣመሰሉ ከበድትን ብሓንሳብ ክትገድፎም እንተደለኻ’ውን ሻቦም ጽርይ ዘይብሉልካ ጉዳያት ኣብ ልቢ ሰብ ተዓብዒቦም ይጸንሑ። ብሓፈሻ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓራቒ ሰብን ቅሬታኻ ከየርገፍካ ዘይሕለፍ እዋንን የድልዮም። ምስ ክብደት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከኣ እቶም ልቦም ዝሰምበረ ሰባት ሓድሕድ ተራኺቦም ‘ይቕረ-ይቕረ’ ክበሃሃሉ ይኸብዶም። ነቲ ከቢድ ጉዳይ ከኣ ኣኣብ ደምቢኦም ሓዊ ብምንዳድ ይገድፍዎ ነይሮም ይብልዎም።

እቲ ነቲ ከቢድ ጽልኢ ክገድፍ ዝደለየ ሰብ፣ ኣብ ማእከል ደምቢኡ ንኹሎም እቲ ጽልኢ ዝተንከፎም ሰባት ብምእካብ፣ ሓቢሮም ዝስሕንሉ ሓዊ ይኣጕድ። ነቲ ካብቲ ሓዊ ዝተፈጥረ ሓምዅሽቲ ከኣ ዘሰንይዎ ሰባት ብምሓዝ ናብ ቤት ብዓል ነገሩ የብጽሖ። ምስቲ ሓምዅሽቲ ናይ መን ምዃኑ ዘፍልጥ ምልክት ይገድፈሉ ነይሩ ይብልዎ። ምሳኻ ዝነበርኒ ጐነጽ ገዲፈዮ ኣለኹ ንምባል በትሪ፣ ምሳኹም ዝነበረኒ ቅርሕንቲ ይዕረፍ ንምባል ቍራጽ ጻዕዳ ነጸላ፣ መውስቦኹም ጸይነዮ ነይረ’ሞ ድዓይ ኣልዒለ ኣለኹ ንምባል ፈትሊ መሳሊ…. ይገድፉ ምንባሮም ከኣ ይዝንቶ። እዚ ወግዒ ናይ ዝተወሰነ ከባብን ሒደት ሰብ ዝፈልጦን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግዳ ካብቶም ዓበይቲ ጉዳያት ዝፈትሑ ወግዕታት ሃንሰ-መስቀለ ምንባሩ ብሰፊሑ ይዝንቶ።

ነገር ዝጸንሖ ሰብ ከኣ በዚ እዋንን በዚ ጥበብን ከብዱ ንዝበልዐ የዕርፍ ነበረ። ነገረ ደምበ ሓምዅሽቲ ምናልባት ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ዘይሰማምዑሉ እውን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ብሰታይ ስዋ (ዓለማዊ ሰብ) በዓልቲ እንዳኡ ዝተደፍረት ቀሺ፣ ነቲ ተጸጺተ (እምብዛ ተጣዒሰ) ዝበለ ሰብ ክሳብ ብህይወት እንከሎ በደሉ ዘይክሓድገሉ ይኽእል።

ግዳ እቲ በዳሊ ተሰካሚ ናይ ስሕታኑ ከም ዝዀነ ብደምበ ሓምዅሽቲ ገሊጹ ዋላ’ውን እቲ ቀሺ ይቕረ ከይበለሉ ይቕረን ንስሓን ይደሊ – ከምኡ ከኣ ይገብር። ሕጸ ማዕተብ ንመስሓቕ ተባሂሉ ድዩ ወይስ ከምኡ ስለዝነበረ’ዩ ድኣ ሰሪ ሕመቐይ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን እምበር፣ ሕጸ ልደ ዝበሃል ወግዒ ነይሩ ይብልዎ። ኣካ እናለከምካ ምኻድን ምዝራብን ለሚደዮ ጸናሕኩ። ከመይሲ ነገረይ ሕጸ ማዕተብ’ዩ።

ግዳ ‘ብዕራይ እንተጫዕመደ ሰብኣይን እንተወለደ፣ ረጐደ’ ተባሂሉ ተመሲሉ’ዩ። ፍሉይነት ናይዚ ሕጸ ኣደታት ባዕለን ይገብርኦ ነይረን ስለ ዝበሃል’ዩ። እስከ ተመዲልካ ዘዛርብ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩሉን እሞ፡ ሃየ ‘እወ ነይሩ’ ዝብል እንተረኸብኩም ከባቢኹም ሃሰው በሉ። ግዳ እቲ ጸኒሕስ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ’ዩ። ኣደ ንሕሳስ ልደ ወዳ ወይ’ውን ካብ ኩሎም ኣወዳት ደቃ ነቲ ዝነኣሰ ብዝጥዕማ ኣገባብ ንዓኣ ቃሕ ዝበለታ ጓለንስተይቲ ተማጽኣሉ።

እታ ኣደ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ወግዒ ሕሳስ ልደ ካብ ዝተወልደሉን ዝጐበዘሉን ግዜ ትጅምሮ ይብልዋ። ከምቲ ሓደ ኣቦ ንወዱ እትኸውን ሽዓ ኢሉ ዘናዲ ኣደ’ውን ነቲ ናይ ምድላይ ዕዮ ኣቐዲማ ትተሓሓዞ። ቀምሽ ሳልስቲ (ደቀንስትዮ፡ ናይ ኣደታተን ክሳብ ዝጸፍፍ ብውሽጢ ይኽደናኦ ነይረን እናተባህለ ዝዕለለሉ ጨርቂ) ዝደርበየት ኣደ፣ እሞ ከኣ ናይ መወዳእታ ውላዳ ወዲ ምስ ዝኸውን ነቲ ዕዮ ናተይ ኢላ ትሕዞ። እታ ንወዳ እትደልያ ጓለንስተይቲ ዋላ’ውን ንእሽቶ ትኹን ኣዴታታን እኖሓጎታታን ውርዙያትን ጽቡቓትን ምዃነን እንተድኣ ፈሊጣን ኣሚናን ንወያ ቆልዓ ዓይናን ቈጽልን ተውድቐላ። ኣብ መወዳእታኡ እንተስ ብዓልቤታ ሰዲዳ ወይ’ውን ዓሰርተው ክልተ ሕምባሻ ሰሊማ ምስ ኣሕዋታን ኣሞታታት ወዳን ገይሻ ንወያ ንወዳ እትኸውን ጓል ትቕበላ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ወግዒ ንገሊኡ ደቀንስትዮ ክመርጻን ክምረጻን መሰል ኣይነበረንን ዝብል ሰብ መቐነዪ ይኸውን’ዩ። ወግዒ ሕጸ ማዕተብ፡ ኣብቲ ሓማሴን እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቦታታት ኣዝዩ ዝውቱር ዝነበረ ባህሊ፡ ኩሉ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃንሰ መስቀለ’ዩ። ካብቲ ልሙድ ወግዒ ሕጸ ብሄረ ትግርኛ እቲ እዋንን ሎምን ዝፈልዮ ዝነበረ ኣገባብ ከኣ ድሕሪ ሞት ሕጹይ ዝግበር ስለዝነበረ’ዩ። ጽቡቕ ዕላል ድኣ ኣይኰነን’ምበር፣ ሓደ ሕጹይ እንከሎ ብሕማም ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ምስ ዝመውት ስድራ እቲ ምዉት ንወያ ተመንዮም ናብ ገዝኦም ከም እትኣቱ ዝገብርዋ ጓል ናብ ካልእ ስድራ ወይ ወዲ ክትእቱ ኣይደልዩን።

ዝተርፎም ምርጫ፡ ናብ ምንኣስ እቲ ዝሞተ ወይ ካልእ ቀረባ መዋቲ ከም እትኣቱ ምግባር’ዩ። ስድራ መዋቲ ሓዘኖም ምስ ዓጸዉን ዓይኒ መዋቲ ፈሲሱ ኣብ ዝተባህለሉን፡ ሕጽይቲ መዋቲ ከም ብሓድሽ ናብ ወዮ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሰብ ትሕጸ። ግዳ እቲ ሕጸ ብድሌትን ተውዛሕዛሕን ዝተገብረ ከይመስል እታ ሕጽይቲ ብእንዳ ወዲ ክልተ ዕጻፍ ማዕተብ ጥራሕ ይእሰራ። እዚ ወግዒ ሕጸ’ዩ እምበኣር ሕጸ ማዕተብ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝነበረ።

ሕጸ ማዕተብ፡ ነቲ ብሞት ሕጹይ ከይኵለፍ ዝተፈርሀ ምስሩት ዝምድና ንምቕጻል ተባሂሉ ዝዝውተር ዝነበረ’ዩ። ከምዚኦምን ካልኦት ሓንሳብ ምስ ተቐራረብካ ዘየባትኹ ዝምድናታትን መውስቦታትን ከኣ’ዮም ንፍቕርን መውስቦን ዘደልድልዎ ዝነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ዋላ’ውን ካብ ሕጽይቲ ዝንእስ ሓው ሕጹይ መዋቲ ወይ’ውን ቀረባ ስጋኡ ንሕጽይቲ ይምርዓዋ ነይሩ ይበሃል። ኣብ ድምበዛን ብኸምዚ ዝተመርዓዉን፡ መርዓዊ ንእሽቶ ብምንባሩ – መርዓት ድሕሪ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ናይ መርዓኣ ከም ዝወለደትን ኣብ ወግዕታት ኣፋዊ ያታ እቲ ከባቢ እናተደግመ ይዕለል’ዩ። ጽዋን ሽዋን እዚ ስም ካብ ምንታይ ዝነቐለ ምዃኑ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ግዳ ብሓርፋፍ ግምት ወሃብቲ እቲ ዕላል፡ ኣስማት ክልተ ኣንስቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብሉ።

ብዛዕባ ጽዋ ድኣ’ምበር ሽዋ ክሳብ ሎሚ ስም ጓለንስተይቲ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ካብዚ ውሪግሪግ ዝበለ ዕላል ውጽእ ኢልና ብዛዕባ ወግዑ እንተዕለልና ግና ዝሓሸ ይመስል። ሓደ ሰብኣይ እንተስ ቅያር ወሊድ ደልዩ ወይ’ውን ኢዱ ፈቒዱሉ ካብ ክልተ ኣንስቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝብዝሐን ኣንስቲ ወሊዱ ይጸንሕ። ኣንስቲ ከኣ ንሓድሕደንን ምስቶም ሓደ ዝወላዲኦም ደቅን ከይተላለያ ይጸንሓ። ዓበይትን ለባማትን ናይ ኩሎም ስድራቤታትን እተን ዓድታትን ከኣ ንወየን ካብ ሓደ ሰብኣይ ዝወለዳ ኣንስትን ናይ ሓደ ሰብኣይ ክነሶም ካብ ብዙሓት ኣንስቲ ዝተወልዱን ቈልዑ የላልይዎም።

ብመሰረት እቲ ዕላል ሰብኣይ ዝወለደለን ኣንስትን ኩሎም ካብ ሓደ ሰብኣይ ዝተወልዱን ኣብ ቤት ሒማ ናይቲ ሰብኣይ ይእከቡ። ኣብ ገዛ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ናይ’ቲ ካብ ብዙሓት ዝወለደ ሰብኣይ ማለት’ዩ። ሓደ ወይ ብዙሓት ካብቶም ነቲ ምትእኽኻብ ዘካወኑ ሰብኡት፡ ‘ደጊም ጽዋን ሽዋን ኢኽን። እቶም ቈልዑ’ውን ዋላ ብሓደ ኣይትዕበዩ ደቂ ሓደ ሰብኣይን ደቂ ሓንቲ ሰበይትን ኢኹም’ ብምባል ሓድሕድ ክተሓጋገዙን ድሕሪ ሞት ወለዶም ንዘሎ ግዜ ሓቢሮም ከሕልፍዎ ከም ዘለዎምን ይመኽሮም።

እቶም መምስ ኣዴታቶምን ኣብ ትሕቲ ሰብኣይ ኣዲኦምን ዝጸንሑ ደቂ ከኣ ኣብቲ መዓልቲ ብዝግባእ ተላልዮም ንሕውነት ኣጸቢቖም ይሕዝዎ። ሓደ ወዲተባታይ ከምኡ ንኽገብር ብዙሓት ምኽንያታት ነይሮምዎ ይብልዎ። ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ወይ’ውን ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ዝወለዶም ሓደ ጾታ ይዀንዎ ወይ ይዀናኦ’ሞ፡ ካብ ድላይ ዝተላዕለ መለሳ እንተረኸበ ይሰርቕ። ዳሕራዮም ይገድድ ድኣሉ ዝበሃል እምበር፡ ካብ ቀዳማይ ፈተንኦም እንተዘይ ሰሊጥዎም ብኸምቲ ዝጀመርዎ ዝቕጽሉን ነገር ለውጢ ኣብ ወሊድ ገዲፎም ከምኡ እናበሉ ዝቕጽሉ ምንባሮም እቲ ዕላል ኣብ ብዙሓት ዛንታታት ይርከብ’ዩ። እቲ ከም ካልኣይ ዝቐርብ ምኽንያት ምስ ማሕበራዊ ህይወት ዝተሓሓዝ’ዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ‘ምስ እዝጊ እናተማቐልካ’ዩ ውላድ ዝዓቢ ዝነበረ’ ዝበሃለሉ ዘመን፣ ሓደ ኣቦ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራሕ ዝወልዶምን፡ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ስለዝውሕድዎን ካብ ካልእ ሰበይቲ ውላድ ክምልእ ብዓልቲ ቤቱ’ውን ከይተረፈት ተፍቅደሉ ነበረት። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ደምነት (ሰብ ምቕታልን ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሕነ ናይ ምፍዳይ ኣጋጣምን) ዝተሓሓዝ ወሰኽ’ውን ነይርዎ’ዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብኣይ እንተስ ካብ ኢዱ ወይ’ውን ካብ ስድርኡ ዝጸንሖ ደም ይህልዎ’ሞ፣ ደም ከደቅስን ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍርሉ ከይበዝሑን ብብዝሒ ውላድ ክሕፈር ይደሊ። ከም ውጽኢት ድሌቱ ከኣ፡ ውላድ ብብዝሒ ክህልውዎ ይደሊ። ደቁ ብዝጐበዙን ዓሊይዎ ክነብር ኣብ ዝደለየሉን ከኣ ኣብ ከም ቅንያት ሃንሰ መስቀለ ንደቁ የላልዮም። ጽዋን ሽዋን ከኣ ከም ሰበን ደቀን ወይ ውላደን ሒዘን ይላለያን የላልያን። 


Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

Latest Images

Trending Articles



Latest Images