Quantcast
Channel: Christian – eritrea-chat.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

ባህሊ ዕቃበ ኣከባቢ ኣብ ገዳማት –ኣብ ኩሉ ክዝውተር ይሕተት – Eritrean Gedamat

$
0
0

ኣብ ገዳማትን ማይ-ጨሎታትን (ማይ ጸሎት) ዘሎ ባህሊ ዕቃበ ኣግራብን ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክዝውተር፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ ጸዊዓ።

ወይዘሮ ኣስመረት፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከብ ቱሪዝማዊ ሰሓብነት ዘለዎ ጥንታዊ ገዳማትን ፍሉጥ ማይ-ጨሎታትን፡ ብባህሪያዊ ኣግራብ እውን ሃብታም ምዃኑ ብምሕባር – እዚ ጸጋ’ዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣከባቢ ንምርጋእ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ፡ ንዝተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳም ምቹእ መዕቈቢ እውን ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

%e1%89%a3%e1%88%85%e1%88%8a-%e1%8b%95%e1%89%83%e1%89%a0-%e1%8a%a3%e1%8a%a8%e1%89%a3%e1%89%a2-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8c%88%e1%8b%b3%e1%88%9b%e1%89%b5-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a9%e1%88%89-%e1%8a%ad

ብዓበይቲ ኣግራብ ዝማዕረገ – ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝርከብ ማይ- ጨሎት ጋብር ደርዓንቶ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ መስሕብ ቱሪዝም ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ዓመታዊ ናብቲ ቦታ ዝውሕዙ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ በጻሕቲ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝዕዘብዎ ዕቃበ ኣከባቢ ናብ ቦታኦም ምስ ተመልሱ ከዘውትርዎ ተላብያ።

“ጸጋታትካ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዕቃቡ’ውን ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ ኣገዳሲ’ዩ” ዝበለት ወይዘሮ ኣስመረት፡ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ነዚ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝምን ዕቃበ ኣከባብን ልዑል ጽልዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ቦታታት ንምልላይን ንምስናድን፡ መደባት ሓንጺጹ ይነጥፍ ከምዘሎ ሓቢራ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ልዕሊ 100 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኣስታት 32 ገዳማትን ማይ-ጨሎታትን ከምዘለዉ፡ ሰነዳት ክፍሊ ቱሪዝም ናይ’ቲ ዞባ የመልክቱ።


Viewing all articles
Browse latest Browse all 229

Latest Images

Trending Articles



Latest Images