ኤርትራ – በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ ፲፱(19) ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ብድሮ ካብ ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ብመእመናን ተሰንዮም ኣብ ባሕረ- ጥምቀት ዝሓደሩ ታቦታት፡ ብወከልቲ መዘምራን በዓል ተራ ደብሪን ሕብረት ውሉደ-ክህነትን ሰበኻ ተኻይዱ።
ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ድማ ቡራኬን ኣስተምህሮን ተዋሂቡ። ብድሕሪ’ዚ፡ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ሊቃውንትን ኣብ ዙርያ ባሕረ-ጥምቀት ቅዳሴን ጸሎተ ወንጌልን ዓሪጉ።
ኣብ’ቲ በዓል፡ መምህር ኤልያስ ሃብታይ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ በዓል ጥምቀት ዝምልከት ስብከት ኣስሚዖም። ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብጹኣን ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረ- ጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ምስ ተነጽገ ድማ፡ ካህናት ነቲ በዓል ዝምልከት ዜማ እናስምዑ ኣስረጊጾም።
ኣብ መወዳእታ፡ ቡራኬ ምስ ተዋህበ፡ ታቦታት ብምእመናን ተሰንዮም ነናብ ኣድባራቶም ተመሊሶም።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ንኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ብምውካል – ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ብርሃነ ነጋሽን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብ ኩለን ዞባታት እውን ብተመሳሳሊ፡ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝበዓለ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።
Source: shabait.com